መግለጺ ግ.ሃ.ድ.ኤ. ብምኽንያት ዓለምለካዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ
መግለጺ ግ.ሃ.ድ.ኤ.
ብምኽንያት ዓለምለካዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ
መብዛሕቲኡ ህዝቢ ዓለም 8 መጋቢት ከም ዓለምለኻዊት መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣኽቢሩ ይውዕል። እዚ ዝኾኑሉ ከኣ፡ ሳላ’ቲ ኣንጻር ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝወረደ ድርብ ወጽዓን ብሰንኪ ድሑር ባህልታትን ጌጋ ኣተራጒማ ሃይማኖታት ዘስዓቦ ጸቕጥታት፣ ብደቂ ኣንስትዮ ዝተኻየድ ዘይሕለል ቃልሲ ዝተበጽሐ ኢዩ።
8 መጋቢት ዓለምለኻዊት መዓልቲ ጓል ኣንስተይቲ ኮይና ንኽትብዕል ዝተገብረሉ ምኽንያት ብትካቦ ወይ’ውን ንይምሰል ዝተዋህባ ዕለት ዘይኮነስ፡ ፍትሕን ማዕርነትን ንምርግጋጽ፡ ድርብ ምዝመዛን ድሑር ባህላውን ግጉይ ኣተረጓጉማ ሃይማኖታትን ዘስዓቦ፡ ኣብ ልዕሊ ጓል ኣንስተይቲ ዝተፈጸመን ዝፍጸም ዘሎን ግህሰታትን ኣድልዎን ሓንሳብን ንሓዋሩን ጠጠው ንምባል ዘበገሰቶ መሪር ቃልሲ እተብዕለሉን መላእ ፍትሒ ዘቐድም ሕብረተሰብ ዓለም ድማ፡ ሓቢሩ ዘብዕላ ዓለምለኻዊት ዕለት’ያ።
ኣብ ታሪኽ ዓለም፡ ደቀ-ኣንስትዮ ንፈለማ ግዜ ብ 8 መጋቢት 1857 ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ንማዕረ መሰልን ማዕረ ደሞዝን ኣብ ዝገበረኦ ሰላማዊ ሰልፊ ብሓይሊ ፖሊስ ከም ዝብርዕን ኮይኑ፣ ብዙሓት ድማ ተጎዲአን። እንደገና ድሕሪ 51 ዓመታት፡ ማለት ብ 8 መጋቢት 1908፡ ደቀ-ኣንስትዮ ንዝኽሪ እቲ ቅድሚ 51 ዓመታት ብሓይሊ ፖሊስ ዝተጓዕጸጸ ሰላማዊ ሰልፍን፡ ክምኡ’ውን ናይ ምድማጽ መሰለን ንምርግጋጽን፡ ትሕቲ ዕድመ ዝኾና ህጻውንቲ ኣብ ትካላት ማእቶት ዝካየድ ምዝማዛ ጠጠው ክብል ዝጠልብን ሰላማዊ ሰልፊ ብዓወት ኣካየዳ። ኣብ ዕለት 28 ለካቲት 1909፡ ኣብ ኒውዮርክ ብተበገሶ ሰልፊ ኣመሪካ ንዝኽሪ እቲ ብደቀ-ኣንስትዮ ብ1908 ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ብዝምልከት ዓቢ ኣኼባ ተኻይዱ። ኣብ ወርሒ ነሓሰ 1910 ኣብ ኮፐንሄግን - ደንማርክ ዝተኻየደ ኣህጉራዊ ዋዕላ ደቀ-ኣንስትዮ ድማ 8 ማጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ጓል ኣንስተይቲ ኮይና ንኽትብዕል ተወሰነ። ድሕሪ’ዚ ኢዩ ከኣ፡ ብዙሓት ሃገራት ነዛ ዕለት እዚኣ ከም ኣህጉራዊት መዓልቲ ጥራይ ዘይኮነስ፣ንሃገራዊ ናይ በዓል መዓልቲ ተቝጺራ ንኽትባዓል’ውን ብምውሳን ኣብ ብዙሓት ሃገራት ብክብ ዝበለ ደረጃ ክትባዓል ትርከብ።
ኣብ ሃገርና ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ብጨኳኒ ጉጅለ ህግደፍ ዝካየድ ዘሎን ከምኡ’ውን ብሰንኪ ግጉይ ውርሻታት ባህላዊ ይኹን ግጉይ ሃይማኖታዊ ኣረዳድኣን ኣተራጉማን ዘስዓቦ ድርብ ወጽዓ ንኹሉ ርዱእን ሓንሳብን ንሓዋሩን ክብዳህ ካብቲ ዝግበኦ ናይ ቃልስና ዕላማታት ምዃኑ ዉሁብ እዩ። ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ብረታዊ ተጋድሎና ይኹን ሕጂ ማዕረ ወዲ ተባዕታይ ሃገራዊ ግቦአን ኣበርኪተንን የበርክታን ኣለዋ። ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ይኹን ፖለቲካዊ ተጋድሎ ተሳቲፈን እየን። ኣብ ብረታዊ ተጋድሎና ድሕሪ’ቲ ቀዳመይቲ ናብ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈት ጅግና ሓርበኛ ጁምዓ ዑመር ብዙሓት ጀጋኑ ደቂ ኣንስትዩ ኣብ ቃልሲ ተሰሊፈን ዘበርከተኦ ልዑል ሃገራዊ ግደ ዓለም ብምሉኡ ዝምስክሮ ዘሕብር ታሪኽ ኢዩ። ድሕሪ ቀዳመይቲ ስውእቲ ጅግና ኣለም ጸሃይ መስፍን ኣሰራ ተኸቲለን ብዙሓት ብሉጻት ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ክቡር ህይወትን ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ኣወፍየን እየን።
ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ግና እተን ኣዝየን ግዳይ ግፍዕታት ህግደፍ ዝኾና ደቀ-ኣንስትዮ ምዃነን ንኹሉ ኤርትራዊ ብሩህ እዩ። ስለዚ ነዚ ድርብ ወጽዓ ንምውጋድ ማዕረ ነቲ ፍትሕን ደሞክራስን ንምትካል እንገብሮ ዘሎና ቃልሲ ምስርዑ ናይ ግድን ይኸውን። ነዚ ዕሽሽ ምባል ንደሞክራሲን ፍትሕን ይቃልስ ኣለኹ ምባል ኣፍኣዊ ጥራይ’ዩ ዝገብሮ።
ኣብዚ ሎሚ እዋን ደቀ-ኣንስትዮ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ዝገብረኦ ዘለዋ ኣስተዋጽኦ ቀሊል እኳ እንተዘይኮነ፡ ክምቲ ሓፈሻዊ ንህግደፍ ብፍትሓውን ሕጊ ዝገዝኦ ሕብረተ-ሰብ ንምትካእን ዝግበር ተጋድሎ፡ ተሳትፎ ኤርትራዉያን ማዕረ እቲ ዝጥለብ ዘይምዃኑ፡ ብእኡ ደርጃ ድማ ደቀ-ኣንስትዮ ክጽለዋ ናይ ግድን እዩ። እቲ ርዱእ ክኸውን ዝግባእ ግና ብዘይ ሰፊሕ ተሳትፎ ሓፋሽ ኤርትራዊ ዝረጋገጽ፡ ፍትሒ ይኹን ግዝኣተ- ሕጊ ከምኡውን ደሞክራሲ ብፍጾም የሎን።
ብዛዕባ ግደ ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ውድባ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኣብ ቃልሲ ዘለወን ተሳትፎ ምስ እንምልከት፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ኣባላት ውድብና፡ ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ውዲታት መኪተን ንወድበና ኣብ ምድሓንን ዕዉት ሳልሳይ ሃገራዊ ጉባኤ ኣብ ምክያድ ዓቢ ተራ ተጻዊተን ኢየን። ሳላ ልሉይ ኣስተዋጽኦ መላእ ኣባል ውድብን ብፍላይ ድማ ሓርበኛታት ደቂ ኣንስትዮና፣ ውድብና ኣብ ባህርያዊ ናይ ቃልሲ ቦትኡ ተመሊሱ ኣብ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ሃገርና ንምርግጋጽ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ዕዙዝ ተራ ክጻወት ይርከብ። እዚ ሓያል ቃልሲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብነታዊ ጥራሕ ዘይኮነ፣ ኣብ መዛግብ ታሪኽ ብወርቃዊ ቀለም ተጸሒፉ ክነብር ኢዩ።
ብኣጋጣሚ 8 መጋቢት ንኩለን ደቀ-ኣንስትዮ ኤርትራ ዮሃና እናበልና። ንግዝኣተ-ሕግን ማዕረነትን ደሞክራስን ዝገብረኦ ዘለዋ ቃልሲ ዝያዳ ከም ዝድንፍዕ ንኽገብራን፣ ኣብ ኣብያተ ማእሰርት ስርዓት ህግደፍ ዝሳቐያ ዘለዋ ሃገራውያን ተቓለስቲ ንምልቃቕ፣ ሕብረተሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግደፍ ግቡእ ጸቕጢ ንኸካይድ ጽዑቕ ምንቅስቓስ ከካይዳን ጻዊዕትና ብምቕራብ፡ ዓቕምታት ዝተፈላለየ ማሕበራትን ብሓባር ክጥርንፋ ዘኽእለን ስሙር ነጻ ንቓባዊ ጽላል ከቚማ መድረኻዊ ጠለብ ምዃኑ ከነዘኻኽር ንፈቱ። ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ምሉእ መሰላ ንክትጕናጸፍን ህዝብና ካብ ሕሰመን ጭኲና ህግደፍ ንኽገላገል ውድብና ንግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ከይ ተሓለለ ክቃለስ ምዃኑ ቃሉ የሕድስ።
8 መጋቢት ንዘልኣለም ከቢራ ትንበር።
ዓወት ንዲሞክራስያዊ ቃልስና
ክብርን ዝኽርን ንስዉኣትና !
“ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!”
ፈጻሚ ኣካል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ
08/03/2018