መግለጺ ግ.ሃ.ድ.ኤ. ብምኽንያት ዓለምለካዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ

ensf-information-office-header-eመግለጺ ግ.ሃ.ድ.ኤ.

ብምኽንያት ዓለምለካዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ

 women-contribution

8 መጋቢት ዓለምለኻዊት መዓልቲ ጓል ኣንስተይቲ ኮይና ንኽትብዕል ዝተገብረሉ ምኽንያት ብትካቦ  ወይ’ውን ንይምሰል ዝተዋህባ ዕለት ዘይኮነስ፡ ፍትሕን ማዕርነትን ንምርግጋጽ፡ ድርብ ምዝመዛን ድሑር ባህላውን ግጉይ ኣተረጓጉማ ሃይማኖታትን ዘስዓቦ፡ ኣብ ልዕሊ ጓል ኣንስተይቲ ዝተፈጸመን ዝፍጸም ዘሎን ግህሰታትን ኣድልዎን ሓንሳብን ንሓዋሩን ጠጠው ንምባል ዘበገሰቶ መሪር ቃልሲ እተብዕለሉን መላእ ፍትሒ ዘቐድም ሕብረተሰብ ዓለም ድማ፡ ሓቢሩ ዘብዕላ ዓለምለኻዊት ዕለት’ያ። 

 ኣብ ታሪኽ ዓለም፡ ደቀ-ኣንስትዮ ንፈለማ ግዜ ብ 8 መጋቢት 1857 ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ንማዕረ መሰልን ማዕረ ደሞዝን ኣብ ዝገበረኦ ሰላማዊ ሰልፊ ብሓይሊ ፖሊስ ከም ዝብርዕን ኮይኑ፣ ብዙሓት ድማ ተጎዲአን። እንደገና ድሕሪ 51 ዓመታት፡ ማለት ብ 8 መጋቢት 1908፡ ደቀ-ኣንስትዮ ንዝኽሪ እቲ ቅድሚ 51 ዓመታት ብሓይሊ ፖሊስ  ዝተጓዕጸጸ ሰላማዊ ሰልፊን፡ ክምኡ’ውን ናይ ምድማጽ መሰለን ንምርግጋጽን፡ ትሕቲ ዕድመ ዝኾና ህጻውንቲ ኣብ ትካላት ማእቶት ዝካየድ ምዝማዛ ጠጠው ክብል ዝጠልብን ሰላማዊ ሰልፊ ብዓወት ኣካየዳ። ኣብ ዕለት 28 ለካቲት 1909፡ ኣብ ኒውዮርክ ብተበገ ሶሻሊስት ሰልፊ ኣመሪካ ንዝኽሪ እቲ ብደቀ-ኣንስትዮ ብ1908 ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ብዝምልከት ዓቢይ ኣኼባ ተኻይዱ። ኣብ ወርሒ ነሓሰ 1910 ኣብ ኮፐንሄግን - ደንማርክ ዝተኻየደ ኣህጉራዊ ናይ ደቀ-ኣንስትዮ ዋዕላ ድማ 8 ማጋቢት ዓለምለኻዊ መዓልቲ ጓል ኣንስተይቲ ኮይና ንኽትብዕል ተወሰነ። ድሕሪ’ዚ ኢዩ ከኣ፡ ብዙሓት ሃገራት ነዛ ዕለት እዚኣ ከም ዓለምለኻዊት መዓልቲ ጥራይ ዘይኮነስ፣ንሃገራዊ ናይ በዓል መዓልቲ ተቝጺራ ንኽትባዓል’ውን ብምውሳን ኣብ ብዙሓት ሃገራት ብክብ ዝበለ ደረጃ ክትባዓል ትርከብ።

 ኣብ ሃገርና ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝካየድ ዝነበረን ዘሎን ድርብ ባህላዊ ይኹን ግጉይ ሃይማኖታዊ ኣረዳድኣ ኣተራጉማን ዘስዓቦ ግፍዕታት ንፍትሒ ዝመነጽሮም ፍጡራት ርዱእን ሓንሳብን ንሓዋሩን ክብዳህ ካብቲ ዝግበኦ ናይ ቃልስና ዕላማታት ምዃኑ ዉሁብ እዩ። ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ብረታዊ ተጋድሎና ይኹን ሕጂ ማዕረ ወዲ ተባዕታይ እቲ ዝከኣል ዘበለ ኣበርኪተንን የበርክታን ኣለዋ። ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ይኹን ፖለቲካዊ ተጋድሎ ተሳቲፈን እየን። ኣብ ብረታዊ ተጋድሎና ብስውእቲ ኣለም ጸሃይ መስፍን ዝተጀመረ ብሉጻት ደቂ ሃገር ኣወፍየን እየን።

 ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ግና እተን ኣዝየን ግዳይ ግፍዕታት ህግደፍ ዝኾና ደቀ-ኣንስትዮ ምዃነን ንኹሉ ብውድዕነት ዝዕዘብ ኤርትራዊ ብሩህ እዩ። ስለዚ ነዚ ድርብ ወጽዓ ንምውጋድ ማዕረ ነቲ ፍትሕን ደሞክራስን ንምትካል እንገብሮ ዘሎና ቃልሲ ምስርዑ ናይ ግድን ይኸውን። ነዚ ዕሽሽ ምባል ንደሞክራሲን ፍትሕን ይቃልስ ኣለኹ ምባል ኣፍኣዊ ጥርይ’ዩ ዝገብሮ።

 ኣብዚ ሎሚ እዋን ደቀ-ኣንስትዮ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ዝገብረኦ ዘለዋ ኣስተዋጽኦ ቀሊል እኳ እንተዘይኮነ፡ ክምቲ ሓፈሻዊ ንህግደፍ ብፍትሓውን ብሕጊ ዝገዝኦ ሕብረተ-ሰብ ንምትካእን ዝግበር ተጋድሎ፡ ተሳትፎ ኤርትራዉያን ማዕረ እቲ ዝጥለብ ዘይምዃኑ፡ ብእኡ ደርጃ ድማ ደቂ-ኣንስትዮ ክጽለዋ ናይ ግድን እዩ።  እቲ ርዱእ ክኸውን ዝግባእ ግና ብዘይ ሰፊሕ ተሳትፎ ሕብረተሰብ ዝረጋገጽ፡ ፍትሒ ይኹን ግዝኣተ- ሕጊ ከምኡ’ውን ዲሞክራሲ ብፍጾም የልቦን።

 ምልስ ኢልና ኣብ ውሽጢ ውድብና ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ዘሎ ተሳትፎ ጓል ኣንስተይቲ ምስ እንምልከት፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ኣባላት ውድብና፡ ወድበን ብምድሓንን ኣብ ባህርያዊ ናይ ቃልሲ ቦትኡ ክመልሰኦ ንምብቀዐንን፣ ከምኡ’ውን ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ሃገርና ንምርግጋጽ ዘካይደኦ ዘለዋ ሓያል ብደሆ ኣብነታዊ ጥራሕ ዘይኮነ፣ ኣብ መዛግብ ታሪኽ ብወርቃዊ ቀለም ተጸሒፉ’ውን ክነብር ኢዩ።

 ብኣጋጣሚ 8 መጋቢት ንኩለን ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ዮሃና እናበልና። ንግዝኣተ-ሕግን ማዕረነትን ደሞክራስን ዝገብረኦ ዘለዋ ቃልሲ ዝያዳ ከም ዝድንፍዕ ንኽገብራን፣ ኣብ ኣብያተ ማእሰርት ስርዓት ህግደፍ ዝሳቐያ ዘለዋ ሃገራውያን ተቓለስቲ ንምልቃቕ፣ ሕብረተሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግደፍ ግቡእ ጸቕጢ ንኸካይድ ጽዑቕ ምንቅስቓስ ከካይዳን ጻዊዕትና ብምቕራብ፡ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፣ ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ምሉእ መሰላ ንክትጕናጸፍ ከይ ተሓለለ ክቃለስ ምዃኑ ቃሉ የሕድስ።

 

 

8 መጋቢት ንዘልኣለም ከቢራ ትንበር።

ዓወት ንዲሞክራስያዊ ቃልስና

ክብርን ዝኽርን ንስዉኣትና !

  

“ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!”

 

ፈጻሚ ኣካል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

08/03/2016


Leave a Reply